በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ባህላዊ እሴታት ጉራጌ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባህላዊ እሴታት ጉራጌ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ንምምዝጋብ  በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኤሊያስ ሽኩር÷ ዞባ ጉራጌ ብዙሓት ባህላዊ፣ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሃፍቲታት ዝርከቡሉ ዞባ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ዞባ ኣሰናድኣ ክትፎ ጉራጌ፣ ባህላዊ ኣሰራርሓ ገዛ፣ ኣሰራርሓ መንደር ጉራጌ (ጀፎረ)፣ ባህላዊ ስርዓት ዳይነት(ቂጫ)ን ካልኦት ክብሪታትን ከምዝርከቡሉ ተዛሪቦም፡፡

ዞባ ጉራጌ÷ እዞም ባህላዊ እሴታት ጉራጌ ኣብ ዩኔስኮ ንኽምዝገቡ ነቲ በዓል መዚ ሕቶ ምቕራቡ ገሊፆም፡፡

በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ሕቶ ተቐቢሉ እቶም ባህላዊ እሴታት ኣብ ዩኔስኮ ንኽምዝገቡ ብዕቱብ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጉራጌ ኣይተ ላጫ ጋሩማ ብግደኦም÷ በዓል መስቀል ሃይማኖታዊ በዓል ይኹን እምበር ህዝቢ ጉራጌ ባህላዊን ሃይማኖታዊን በዓል ገይሩ ከምዘኽብሮ ገሊፆም።

በዓል መስቀል ንብሄር ጉራጌ ናይ ምክእኣል፣ ሕብረትን መንነቱ ዝገልፀሉን በዓል ብምዃኑ ወለዶ ነዚ ኣጠናኺ ክቕፅሎ ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment