በዓል መዓልቲ ፀረ-ፆታዊ መጥቃዕቲ (ፃዕዳ ሪባን) ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ንመበል 29 ግዘ ብኢትዮጵያ ድማ ንመበል 15 ግዘ ዝኽበር በዓል መዓልቲ ፀረ-ፆታዊ መጥቃዕቲ (ፃዕዳ ሪባን) ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ተኸቢሩ።

ኣብቲ በዓል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ፈይሰል ኣብዱላሂ፣ ኣምባሳደራት ሃገራት ኖርዌይ፣ ፊላንድ፣ ኣየርላንድ፣ ጃፓን፣ ቱርኪን ስዑድ ዓረብን ተረኺበን፡፡

ወይዘሮ ፊልሰን ኣብዲላሂ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ መንግስቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ካብ ማንም እዋን ብዘሐሸ መልክዑ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ብግደኦም፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ክልል ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝምልከቶም ትካላት መንግስቲን ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደራት ኖርዌይ፣ ፊላንድ፣ ኣየርላንድ፣ ጃፓን፣ ቱርኪን ስዑድ ዓረብን፥ ኢትዮጵያ ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ንምክልኻልን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ እናሰርሐቶ ትርከብ ፃዕሪ ኣድኒቖም።

እቲ በዓል፥ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ዘይዕገስ ወለዶ ንፍጠር” ብዝብል መሪሕ ቃል ምኽባሩ ኤስኣርቲቪ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment