በዓል መውሊድ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 499 በዓል መውሊድ ኣብ ከተማታት ኛው ሃረር፣ ጎንደር፣ ጅማ ይኽበር ኣሎ፡፡

በዓል መውሊድ ሰናይ ተግባራት ነቢይ መሓመድ (ሰዓወ) መምርሒ ህይወት ንምግባር ብምሕሳብ ዝኽበር በዓል ኢዩ።

ኣብ ከተማ ሃረር ሸዋበር ኣብ ዝተባህለ ቦታ፤ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተኸተልቲ እቲ እምነትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ብተመሳሳሊ እቲ በዓል ኣብ ከተማ ጅማ ቀፅሪ መድረሰቱል ኸይርያ ይኽበር ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ መበል 1 ሺሕን 499 በዓል መውሊድ ኣብ ከተማ ጎንደር ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት እናተኸበረ ይርከብ።

ብኣብዱረህማን መሃመድን ተሾመ ሃይሉን

Comments (0)
Add Comment