በዓል መስቀል ሃይማኖታዊ ክብሩ ብምሕላው ንቐፃሊ ትውልዲ ምትሕልላፍ ይግባእ – ዶ/ር ሂሩት ካሳው

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ) ካብ ኣቦታትና ዝተረከብናዮ በዓል መስቀል ሃይማኖታዊ ክብሩ ብምሕላው ንቐፃሊ ትውልዲ ምትሕልላፍ ይግባእ ክብላ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶ/ር ሂሩት ካሳው ገሊፀን።

እተን ኢኒስትር በዓል መስቀል ዳመራ  ኣመልኪተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ መሰቀል ኣደባባይ ኣብ ዝገበርኦ መደረ፥ እቲ በዓልእንትነኽብር ዝተውሃበና ሓላፍነት ብብቕዓት ብምውፃእ ሰላምን ፍቕሪን ብምምሃር ክኸውን ይግባእ ኢለን።

እንፈትዋ ዓባይ ሃገር ልዕልንኣ ሓሊዩ ንምፅናሕ ብትግሃት ምስራሕ ይግባእ እውን ኢለን።

ኣብ ሓዱሽ ዓመት  ኢትዮጵያውያን ሓላፍነቶም ብብቕዓት ብምውፃእ፣ ፍቕሪ ብምስባኽን ፅልኢ ብምውጋድን ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ እውን ተዛሪበን።

በዓል መስቀል ሃይማኖታዊ ክብሩ ብምሕላው ንቐፃሊ ትውልዲ ምትሕልላፍ ይግባእ ክብላ ዶ/ር ሂሩት ካሳው መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

ብሚኪያስ አየለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment