በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ “ዮዮ ጊፋታ” ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ በዓል “ዮዮ ጊፋታ” ኣብ ኣብ ስታዲየም ወላይታ ሶዶ ብዝተፈላለዩ ምድለዋት እናተኸበረ ውዒሉ።

“ጊፋታ” ህዝቢ ወላይታ ኣረጊት ዘበን ኣፋኒዩ ሓዱሽ ዓመት ዝቕበለሉን ተረሓሒቖም ዝፀንሑ ዘመድ ኣዝማድ ተራኺቦም ብፍቕሪ ዘኽብሩሉ በዓል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተወካሊ በዓል መዚ ሓለዋን መፅናዕቲን ሓድጊ ፌዲሪኢ ኣይተ ጌታቸው ኤርቤራ÷ በዓል ጊፋታ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ብዙሓት ተግባራት እናተወገኑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ተወካሊ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ኣካሉ ኣስፋው ብግደኦም÷ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ሓድነትን ካልኦት ክብሪታትን መግለፂታት ጊፋታ ስለዝኾኑ ምዕባይ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምኽባር÷ ምርኢት ኣፍራስ፣ ምርቓት ዓበይቲ ዓዲ፣ መፍለዪ ጊፋታ ዝኾነ ፀወታ ሌኬን ካልኦት ተግባራት ተሳሊጦም።

ብማቴዎስ ፈለቀ

Comments (0)
Add Comment