በዓል ልደት እንትነኽብር ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋታትን ከይፍጠሩ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ በዓል ልደት እንተኽብር ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋታትን ከይፍጠሩ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋታትን ኣተሓሳሲቡ።

መራሒ ጉጅለ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጉልላት ጌታነህ፥ ብዘይ ሓገዝ በዓል ሞያ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብፍላይ ተፀጋጊዖም ኣብ ዝርከቡ ገዛውቲ ጥንቃቐ ብዝጎደሎ መልክዑ ዝስርሑ ምዝርጋሕ ገመድ ኤሌክትሪክ ንሃንደበታዊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ድማ መብሰሊ ሲሊንደራት ብጥንቃቐ ዘይምጥቃምን ሓዊ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ናይ ገዛ ረሳሕ ነገራት መእከቢ ንሃንደበታዊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘቃልዕ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ሕብረተሰብ በዓል ልደት እንተኽብር ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብር ዘተሓሳሰቡ ኣይተ ጉልላት፥ መብሰሊ ምግቢ ምስ ተጠቕምና ብትኽክል ምጥፋእና ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም።

ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን እውን ብቐጥታ መስመራት ስልኪ እቲ ኮሚሽን 011 155 53 00 ወይ ድማ ብ011 156 86 01 ከምኡ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 939 ብምድዋል ምፍላጥ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment