በዓል ልደት ኢየሱስ ክስቶስ ብኩሎም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ተኸቢሩ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ኢየሱስ ክስቶስ ብኩሎም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ሎሚ መዓልቲ ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ ውዒሉ።

እቲ በዓል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኢዩ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ ዝወዓለ።

ኣብ ላስታ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ላልይበላ ድማ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ጋሻታት፣ ዑደተኛታት ወፃኢ ዓዲን ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸቢሩ።

በዓል ልደት ኣብ መላእ ትግራይ እውን ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ ዝወዓለ እንትኸውን፥ ብፍሉይ ድማ ኣብ ምብራቐዊ ዞባ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ብብርኪ ክልል ተኸቢሩ ውዒሉ።

በዓል ልደትን ሁራ ሰለስተን ኣፅቢ ወንበርታ ደሚቑ ኣብ ዝወዓለሉ ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል ልደት፥ ነበርቲ ከተማ ኣፅቢን ከባቢኣን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ካብ ጎረባብቲ ወረዳታት ክልል ዓፋር ዝመፅኡ ዕዱማት ኣጋይሽን ካልኦትን ተረኺቦም ኢዮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment