በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ፍቕሪ ብመሃብን ብምትሕግጋዝን ምኽባር ይግባእ – ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝበ ክርስቲያን በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ እንተኽብር ንደቂ ሰባት ፍቕሪ ብመሃብ ከምኡ እውን ብምትሕግጋዝን  ብሓድነትን ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።

ኣቦታት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፣ ቤተክርስትያን ካቶሊካዊት ኢትዮጵያን ሕብረት ወንጌላውያን አብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያን÷ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ኣመልኪቶም ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝፈትወሉ ዓብዪ መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

በዓለ ልደት እንትነኽብር ነገረ እግዚአብሄር፣ ነገረ ፍቕሪ፣ ነገረ ዕርቂን ነገረ ሰላምን ኣብ ማሕበረሰብ ናይ ምስራፅ ሓሳብ ሒዝና ክኸውን ይግባእ እውን ኢሎም።

በዓል ልደተ ክርስቶስ ናይ እግዚአብሄር በዓል ብምዃኑ፥ እግዚአብሔር ኣብ ምድሪ ሰላም ንኸውርድ ብምፅላይ፣ ሕድሕድ ብምፍታው፣ ብፍቕሪን ዕርቂን ምኽባር ከምዝግባእ ኣቦኣዊ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ዓቕመ ደካማታት ብምድጋፍ እቲ በዓል ብሓድነት ንኸኽብር እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል ብግደኦም÷ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም፡፡

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ እንትነኽብር ጎረባብትና ብምሕታት፣ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ፣ ዝሓመሙ ብምሕታት ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን አብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ፃዲቁ ኣብዶ፥ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ብልፅግና ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ህዝበ ክርስቲያን በዓል ልደት እንተኽብር ንደቂ ሰባት ዝኸፈሎ ክባር ዋጋ ብምሕሳብ ብኣኽብሮትን ፍቕሪን ከኽብር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምህናፅ ዝግበሩ ፃዕሪታት ብምሕጋዝ ሃናፂ ግደ ክንፃወት ይግባእ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment