በዓል ልደት ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ፀፅታ ንኽኽበር ብቖራፅነት ይስራሕ ኣሎ – ፖሊስ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

ኣብ መልእኽቱ ድማ በዓል ልደት ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ሕድሕድር ርክቦም ብዝበለፀ ዘጠናኽሩሉ፣ መንፈሳዊ ክብርታቶም ዘጠናኽሩሉ፣ ተኸኣኢሎምን ተኸባቢሮምን ብሓባር ምንባርን ምስራሕን ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዘርእዩሉ በዓል ክዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሓድነትን ማዕርነትን ሃገር መን ይነኽአኒ ብዝብል ኩርዓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፌዴራል ፖሊስን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃሙ ብዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እቲ ጁንታን እራያቱን ናይ ኢዶም ክረኽቡ ከምዝተገበሩ ገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ዝተውሃቦ ዕድል ፅምዋን ሰላምን ንጎኒ ብምባል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሕ ወራር ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ግፍዒ ከምዝፈፀመን ትካላት ህዝቢን መንግስቲን ከምዘዕነወን ኣፍሊጡ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒትር ብዝመርሑዎ “ወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” እቲ ጁንታን ተለኣኣኺኡ ሸኔን ከምኡ እውን ካልኦት ፀረ ሰላም ሓይሊታት ግቡእ ቅፅዓት ብምቕፃዕ ብወራር ካብ ዝሓዙዎም ቦታታት ብስዕረት ክወፅኡ ተገይሩ ኢዩ፡፡

ፖሊስ ፌዴራል እውን ኣብ ጦር ግምባር ካብ ዝገበሮ ቃልሰ ብተወሳኺ እቲ ወራሪ ሓይሊ ኣብ ዝለቐቖም ከባቢታት ንዜጋታት ናይ ምርግጋእን መሊስካ ናይ ምጥያሽን ስራሕቲ ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ሰላምን ድሕንነትን ሕብረተሰብ ንምኽባር ብዙሓት ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡

እዚ ዓቢዪ ሃይማኖታዎ በዓል እውን ተኸተልቲ እቲ እምነት ብዘይ ዝኾነ ይኹ ፀገም ፀፅታ ንኸኽብሩ ፖሊስ ለይቲን ቀትሪን እንተይደኸመ ብፍፁም ቆራፅነት ልኡኽኡ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡

ደላዪ ሰላም ህዝቢ እውን ልሙድ ምትሕብባር ንኽገብር ፀዊዑ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

Top of Form

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment