በዓል ልደት ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ልደት ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርከብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት እታ ከተማ ምስ ዝርከቡ ነበርቲ፣ ኣካላት ምምሕዳር፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ውዳበታትን መናእሰይን ዘተ ተኻይዱ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ፖሊስ ምን!ቅስቓስ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሐሎም ከባቢታት፣ ዕዳጋታትን መዘናግዒ ከባቢታትን ገበናት ንከይፍፀሙ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም።

ሓደጋ ትራፊክ ንምክልኻል ዓሊሙ ሙሉእ ሓይሊ ሰብ ከምዘዋፈረ ብምሕባር፥ ከናሕቲ ይኹኑ እግረኛታት እወን ብሓላፍነት ስምዒት ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ነበርቲ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ንምሃብ ኣብ ቀረበኦም ናብ ዝርከቡ ጣቢያታት ፖሊስ ብምኻድ ወይ ብቑፅሪታት ስልኪ 011-1-11-01-11 ን 991 ብምድዋል ልሙድ ምትሕብባር ንክገብሩ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment