በዓልቲ ገዝኡ ዝቐተለ ውልቀሰብ ብ21 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ምስ ካሊእ ወዲ ርክብ ኣለኪ” ብዝብል ብቕንኢ ተላዒሉ ንበዓልቲ ገዝኡ ዝቐተለ ውልቀሰብ ብ21 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዑ።

ውሳነ ቅፅዓት ዝተመሓላለፈሉ ስሜነህ ግርማ በለጠ 25 ሕዳር 2015 ዓ.ም ምሸት ብግምት 2፡20 ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ 05 ኣስኮ ሰፈረ ወርቅ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም በዓልቲ ገዝኡ ዝኾነት መዋቲት ማህሌት ፍቃዱ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላ ብበሊሕ ነገር ብምውጋእ ህይወታ ክሓልፍ ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

እቲ ገበን ቅትለት ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብምርመራ ተፃሪዩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናፃ ዝፍፈፀሙ ገበናት ዳይሬክቶሬት ዓቃቢ ሕጊ ብመሰረት ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 539/1/ሀ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 2ይ መጋባእያ ገበን ክሲ ቀሪቡሉ እናተኻተዐ ምፅንሑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ከይዲ እቲ ክትዕ መረዳእታ ዓቃቢ ሕጊ ምስተሰምዐ ተኸሳሲ ንኽከላኸል ብይን ተዋሂቡ ተኸሳሲ ናይ መከላኸሊ መረዳእታ ንኸቕርብ ይፈቐደሉ እምበር ከቕርብ ብዘይምኽኣሉን ብዓቃቢ ሕጊ ዝቐረበሉ ክሲ ክከላኸል ብዘይምኽኣሉን ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ፍርዲ ጥፍኣተኛ ብመሃብ ብ21 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፃዕ ወሲኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment