በዓልቲ ቤት ኣንባሳደር ስዩም መስፍንን ወዶምን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ወይዘሮ ፈለገህይወት በርሀን ወዶም ኣግኣዚ ስዩምን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ክልቲኦም ተጠርጠርቲ ድሕሪ 30 መስከረም መንግስቲ የለን ብምባል፥ ካብ ጉጅለ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ህወሓትን ኣመራርሓታት ኦነግ ሸኔን ልኡኽ ተቐቢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሁውከትን ዓመፅን ንምስቃስ ገንዘብ ብምክፍፋልን መናእሰይ ብምምልማልን ተጠርጢሮም ከምዝተትሓዙ መርማሪ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ብሽም ኣምባሳደር ስዩም ዝተመዝገበ መንበሪ ገዛ መንግስቲን ኣብ ውሽጢ ሪል እስቴት ፀሓይ ዝረከብ መንበሪ ገዛን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምርመራ ተግይሩ ክብል እቶ መርማሪ ፖሊስ ኣብሪሁ፡፡

ኣብ መንበሪ ገዛ መንግስቲ ብዝተገበረ ፍተሻ ክልተ ሽጉጣት ተረኺቡ ኢዩ፡፡

መርማሪ ፖሊስ፥ ኣብ ሪል እስቴት ፀሓይ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ብዝተገበረ ብርበራ ኤሌክትሮኒክ መሳርሒታት ምርካቡ እውን ንመጋባእያ ኣብሪሁ፡፡

ፖሊስ ንተወሳኺ ምርመራ ተወሳኺ እዋን ድሊየኒ ክብል እውን ሓቲቱ ኢዩ፡፡

በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ስዩም ወይዘሮ ፈገህይወት፥ እቲ ሓደ ሽጉጥ በዓል ቤተይ ባዕሉ ዝጥቀመሉ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ወፃኢ ሃገር ብህያብ ዝተውሃቦ ኢዩ ክብላ ገሊፀን፡፡

ተጠርጠርቲ ዋሕስ ንኽወሃቦም ዝሓተቱ እንትኾኑ፥ ወይዘሮ ፈለገህይወት ወደይ ኣግኣዚ ሕሙም ስነኣእምሮ ስለዝኾነ፤ መድሓኒት ይእተወሉ ክብላ ሓቲተን፡፡

እቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ መጋባእያ፥ ንተወሳኺ ምርመራ 8 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ብምፍቃድ፤ ፖሊስ ተጠርጠርቲ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኮይኖም ኣድላዪ መድሓኒት ንኸኣትወሎም ኣዚዙ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment