በዓላት መስቀል ዳሜራን ኢሬቻን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበሩ ምድላው ተገይሩ – ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት መስቀል ዳሜራን ኢሬቻን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበሩ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ሊዲያ ግርማ÷ እቶም በዓላት ባህላዊን መንፈሳዊን ክብቲታቶም ሓሊዮም ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽኽበሩ ተወሳኽቲ 11 ሺሕ ሰራዊት ሰላም ምስልጣን ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ካብ ኩለን ክ/ከተማታት ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ሰራዊት ሰላም ኣብ ጉዳይ ስራሕቲ ፀፅታ ዘተ ብምግባር ምውፋር ከምዝተገበረ ኣብሪሀን፡፡

ብይስማው ኣደራው

Comments (0)
Add Comment