ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት መስቀል ዳሜራን መውሊድን ብሰላም ንኽዛዘሙ እኹል ምድላው ከምዝገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ።
እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፤ ንበዓላት መስቀል ዳሜራን መውሊድን እንኳ ብሰላም ኣብፀሐኩም ሰናይ ትምኒቱ ኣመሓላሊፉ።
ክልቲኦም በዓላት ሃይማኖታዊ ስርዓቶም ብዝፈቕዶ መሰረት ብሰላም ንኽዛዘሙ ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ደላዪ ሰላም ሕብረተሰብ ብምትሕብባር እኹል ምድላው ገይሩ ናብ ተግባር ምእታዉ ገሊፁ።
ብሃይማኖት ሽፋን እኩይ ዛዕባ ፖለቲካ ንምስጓም ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ግቡእ ከምዘይኮነ ኩሉ ተገንዚቦ ካብ ኣከባብራ ስነ-ስርዓት እቶም በዓላት ወፃእ ጎንፂን ናዕቢ ዝቕስቅሱ መልእኽቲታት ምምሕልላፍ ከምዘይከኣል ኣገንዚቡ፡፡
ኣብ ባነር፣ ኣልባሳት ከምኡ እውን ከም ርችት ዝበሉ ተቐፃፀልቲ ነገራት፣ በሊሕ ነገርን ጦር መሳርሒን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት እቶም በዓላት ናብ ዝኽበሩሎም ቦታታት ሒዝካ ምእታው ብጥብቂ ዝተኸልከለ ምዃኑ ገሊፁ፡፡
ነቲ ክልከላ ጥሒሶም ድባብ እቶም በዓላት ንምድብዛዝ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ጥብቂ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
እቶም በዓላት ብሰላም ንኽዛዘሙ ሕብረተሰብ ንሓይሊ ፀፅታ ሓጋዚን ተሓባባሪን ብምዃን ብፅሒቱ ንኽዋፃእ ኣተሓሳሲቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com