በዓላት መስቀል፣ ኢሬቻን ስነ ስርዓት ምስረታ መንግስቲን ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ንክፍፀሙ ምድላው ተዛዚሙ- ፖሊስ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ፣መስከረም 14፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት መስቀል፣ ኢሬቻን ስነ ስርዓት ምስረታ መንግስቲን ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ንክፍፀሙ ዘኽእል ምድላው ምዝዛሙ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ካብ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስ፣ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር፣ ብሔራዊ መረዳእታን ደሕንነትን፣ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ኮሚሽንን ኦሮሚያ ክልል ፖሊስ ኮሚሽንን ብዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተወደበ ዓበይቲን ንኡሳንን ኮሚቴታት ተጣይሾም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ሓላፊ ምክትል ኮሚሽነር ጄነራል ዓውዲ ምክልኻል ገበን ኮሚሸን ፖሊስ ፌዴራል መላኩ ፈንታ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ዝኽበሩ መንግስታዊ፣ ህዝባዊ፣ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብረ በዓላት ብሰላም ንክዛዘሙ ዕንቅፋት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሎም ዝግመቱ ግብረ ራዕዲ ህውሓትን ኦነግ ሸነን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘለዉ ሰላምን ፀቭታን እዘ ሃገር ንክናጋዕ ዝደሊዩ ኣካላትን ናይ ምክልኻልን ሕጊ ናይ ምኽባርን ተግባር ብዝተወደበ መገዲ ይፍፀም ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ነዚ ድማ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እዛ ሃገር እኹል ሓይሊ ከምዝተዋፈረ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment