በዓላት መስቀልን ዳመራን ሃይማኖታዊ ትውፊቶም ብምሕላው ንክኽበሩ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዓላት መስቀልን ዳመራን ሃይማኖታዊ ትውፊቶም ብምሕላው ንክኽበሩ ዘኽእል ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ቢሮ ሰላምን ምምሕዳር ፀፅታን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ እቲ በዓል ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ምስ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዘቲዩ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ሊዲያ ግርማ፥ በዓላት መስቀልን ዳመራን ሃይማኖታዊ ትውፊቶም ብምሕላው ንክኽበሩ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ተገይሩ ኢለን።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ብግደኦም፥ እቲ በዓል ፀገም ፀፅታ እንተየጋጠሞ ንክኽበር ፖሊስ ኣብታ ከተማ ምስ ዘለዉ ኣድባራት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።

 

Comments (0)
Add Comment