ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝኽበሩ በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ብሰላም ንክኽበሩ መናእሰይ ግደኦም ንክዋፅኡ ተሓቲትቱ።
“መግለፂ ሓድነት፣ ሕውነትን ፍቕሪን ዝኾኑ እቶም ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ብሓባር ነኽብር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ልዕሊ 5 ሺሕ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ዝኾኑ መናእሰይ፥ እቶም በዓላት ብዘይ ምንም ስግኣት ፀፅታ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻዊን ባህላዊን ክብሮም ሓሊዮም ንክኽበሩ ምድላዋት ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።
እቶም በዓላት ንክኽበሩ ኩሉ ሰብ ግድኡ ንክዋፃእ እቶም መናእሰይ ጠመተ ሂቦም ብዝርዝር ከምዝተዛተዩሎም ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።