በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝዓነዉ ትካላት ምስ ህዝቢ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ክስራሕ ኢዩ – ደ/ር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ምስ ነበርቲ ከተማ ሰቆጣ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝፈፀሞ ወራር ልዑል ጉድኣት ምብፅሑ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምድምሳስ ብዝተኻየደ ተጋድሎ ኢትዮጵያውያን ናፅነቶምን ክብሮምን ብመስዋእትነትክሕልዉ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።

ብዝተገበረ ቃልሲ ሚሊሻታት ዋግ ልዑል ቃልሲ ከምዝገበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብሪሆም።

ኣቦታት ሃይማኖት እውን ንማሕበረሰብ ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ግዘ ዘይስዕሮ ናይ ኣቦ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ውሽጣዊ ሓድነት ኣጠናኺካ ንፀላኢ ምቅላስ ከምዝግባእ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እዚ ንምግባር ድማ መንግስቲ ውዳበ ፀፅታ ከምዝውድብ ገሊፆም።

መናእሰይ እውን ናብ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ንኽፅበሩ ፀዊዖም።

ህዝቢ ዋግ ንፀላኢ ፊት ንፊት ዝተቓለሰ ጅግና ምዃኑ እቶም ርእሰ ምምህዳር ተዛሪቦም።

ነበርቲ ብግደኦም፥ መንግስቲ ፀገም ማይ፣  መብራህቲ፣ ባንኪን ካልኦት መሰል ትካላትን ኣብ ሓፂር እዋን ብምፍታሕ ኣገልግሎት ንኸጀምር ምሕታቶም ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment