ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ህፃናትን ኣብ ክልል ዓፋር ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ልዕሊ 16 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ምግቢን ክዳውንቲን ሓገዝ ገይሩ።
ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ሙና ኣህመዲን፥ እቲ ሓገዝ ንመንግስቲ ክልል ዓፋር ኣረኪበን።
እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብቲ እዋን ከመዝበለኦ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘንፀላለወልና ሓደጋ ህልውና ንምምካት ወዲን ጓልን መስዋእቲ እናኸፈለ ይርከብ።
ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን እቲ ክልል ወይዘሮ ኣይሻ ያሲን ብግደአን፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ክልል ዝኸፈቶ ኲናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰበኽ ሳግም ልዑል ሰብኣዊን ኢኮኖሚያዊን ቀውሲ ከምዘስዐበ ገሊፀን።
እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝገበሮ ሓገዝ ፀገም እቶም ተጎዳእቲ ንምቅላል ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ ብምግላፅ፥ እቲ ሓገዝ ንኻልኦት እውን ምኣያ ዝኸውን ሰናይ ተግባር ከምዝኾነ ኣብሪሀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።