በቲ ወራሪ ጉጅለ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ብዘኹርዕ ኩነታት ናፃ ምውፃእ ተኻኢሉ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ናፃ ምውፃኦም ስዒቡ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂን ድማ በቲ ወራሪ ጉጅለ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ብዘኹርዕ ኩነታት ናፃ ምግባር ከምተኸኣለ ኣብሪሀን።

በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝበፅሑ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣታት ዘፅእንዕ ጉጅለ ምርመራ ገበንን መቕፅዒን ናብቶም ከባቢታት ከምዝተለኣኸ እውን ኣፍሊጠን፡፡

በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ምጥፋእ ህይወት ንፁሃን ዜጋታት፣ ምጉዳል ኣካል፣ ገበን ኣገዲድካ ምድፋር፣ ምምዝባል ንብረ ገዛ፣ ዕንወት ንብረት፣ ምጥፋእ ሰነዳት መንግስታዊ ሰነዳት ከምኡ እውን ኣዚዩ ዘስካሕኽሕ ገበን እናፈፀሙ ከምዝነበሩ ይፍለጥ ኢለን፡፡

እዞም ኩሎም ገበናት ንምፅራይ ብዘኽእል ኩነታት ኢዩ እቶም ጉጅለ ምርመራታት ተዋፊሮም ዘለዉ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሰላማዊት ካሳ ኣብ መግለፂአን፥ ኣብቲ እዋን ወራርጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዕንወት ንብረትን ዘብፅ ጥፍኣተኛ ውልቀ ሰባት ናብ ሕጊ ብምቕራብ ፍትሒ ክርከብ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፀን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment