በቢ ከባቢኡ ዝቐርቡ ሕቶታት ልምዓት ምምላስ እንኽእል ኣታዊና ብእኹል ኩነታት ክብ ምባል እንትንክኣል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

በቢ ከባቢኡ ዝቐርቡ ሕቶታት ልምዓት ምምላስ እንኽእል ኣታዊና ብእኹል ኩነታት ክብ ምባል እንትንክኣል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ(ዶ/ር) ኣብቲ ባይቶ ተረኺቦም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጠመተ ብምሃብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ መንግስቲ ኣወሃብ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ክልተ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ኣብሪሆም።

ፈላማይ ብብርኪ ቀበሌ/ጣብያ ዝተጀመሩ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ለውጢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሕድሕድ ቀበሌ ኣገልግሎት ንክህብ ንምግባር ዘኽእሉ ዓቕሚታት ከምዝተሃነፀ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኩለን ቀበሌታት ዘለወን ሃፍቲ ብቑፅሪ ብምፍላይ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

እዚ ተጠናኺሩ ምቕፃል ከምዝግባእ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

ካልኣይ፥ መሶብ ዝተብሃለ ኣገልግሎት ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብብርኪ ፈተነ ኣብ ስቪል ሰርቪስ፣  ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ብሲስተም ከምዝጅመር ተዛሪቦም።

እቲ ኣገልግሎት እውን ኣብ ሓደ መስኮት ኩሎም ኣገልግሎታት ምሃብ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ኣታዊ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ 580 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ይኹን እንበር መንግስቲ ዝእክቦ ኣታዊ ብመንፅር ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍሪያት ካብ 7 ሚኢታዊ ከምዘይበልፅ ኣብሪሆም።

እዚ ምምሕያሽ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ በቢ ከባቢኡ ዝቐርቡ ሕቶታት ልምዓት ምምላስ እንኽአል ኣታዊና ብእኹል ኩነታት ክብ ምባል እንትንክእል ኢዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment