በቢዓመቱ ካብ ዝምዝገቡ ሕሙማት መንሽሮ ሕክምና ዝረኽቡ ከባቢ 12 ሺሕ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ካብ ዝምዝገቡ ሕሙማት መንሽሮ፤ ሕክምና ዝረኽቡ ከባቢ 12 ሺሕ ከምዝኾኑ ጥራሕ ከምዝረኽቡ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ፡፡

ሕፅረት መሰረተ ልምዓትን ግንዛበ ሕብረተሰብን፣ ብዝድለ መጠን ሰብ ሞያ ሕክምና ዘይምህላው፣ ንሕክምና ዝውዕሉ ናውቲ ካብ ወፃኢ ሃገር ዝኣትዉ ምዃኖምን ንዕድጊት ነዊሕ ግዘ ምውሳዱ፣ ምብልሻው እንተጋጥም መለዋወጢ ብቐሊሉ ዘይምርካቡ ተበፃሕነት ሕክምና ክውሰን ከምዝገበሩ ተገሊፁ፡፡

ናብ ሕክምና ካብ ዝመፅኡ 75 ሚኢታዊ ዝኸውን ሕማሙ ናብ ዝተሓላለኸ ብርኪ ድሕሪ ምብፅሑ ስለዝመፅኡ፤ እዚ ድማ ተሓካሚ ተሓኪሙ ናይ ምድሓን ዕድሉ ከምዝንክዮ፤ ሕክምንኡ ብዝበለፀ ክባር ከምዝገብሮ፤ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት፤ ተመሓላለፍቲ ዘዩኮኑ ሕማማትን መሪሕ ዴስክ ጥዕና ኣእምሮን ዶ/ር ሰላማዊት ኣየለ÷ ኣብ 24 ሆስፒታላት መንግስቲ ሕክምና መድሓኒት (ኬሞቴራፒ) እናተውሃበ ምዃኑ ኣፍሊጠን፡፡

ኩለመዳይ ግልጋሎት ሕክምና መንሽሮ÷ ኣብ ሆስፒታል ስፔሻላይዝድ ጥቁር ኣንበሳ፣ ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ፣ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኮምፕርሄንሲቭ ሃዋሳ፣ ሆስፒታልዩኒቨርሲቲ ጅማ፣ ሆስፒታል ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ዓይደርን ኣብ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሃሮማያን እናተውሃበ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ተበፃሕነት እቲ ሕክምና ንምስሃፍ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ብ30 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ማእኸላት ሕክምና መንሽሮ ኣብ ሆስፒታላት ጥቁር ኣንበሳ፣ ጅማ፣ ሃሮማያ፣ ሃዋሳን ጎንደርን እናተወገነ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment