በረድ ሓዊሱ ብሰንኪ ዝዘነበ ዝናብ ለዕሊ 300 ሚሊየን ብር ዝግመት ኣዝርእቲ ካብ ረብሓ ወፃእ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ኣምባሰልን ኣልብኮን 30 ለካቲት 2015 ዓ.ም በረድ ሓዊሱ ብሰንኪ ዝዘነበ ዝናብ ለዕሊ 300 ሚሊየን ብር ዝግመት ኣዝርእቲን ንብረትን ካብ ረብሓ ወፃእ ኮይኑ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን እቲ ዞባ ኢብራሂም ይመር፥ በረድ ሓዊሱ ብሰንኪ ዝዘነበ ዝናብ ኣብ ልዕሊ እንስሳት፣ ኣዝርእቲ፣ ኣትክልቲን ፍራምረን ከምኡውን መንበሪ ኣባይቲ ጉድኣት በፂሑ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ 571 ሄክታር መሬት ዝነበረ ኣዝርእቲ ሓዊሱ ኣትክልቲን ፍራምረን ሙሉእ ንሙሉእ ዓኒዩ ኣሎ።

ነቲ ጉድኣት ዝተቓልዑ ዜጋታት ህፁፅ መዓልታዊ ሓገዝ፣ መፅለሊን ክዳውንቲን ከምዘድሊዮም እቶም ሓላፊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ብዮሐንስ ደርበውእዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment