በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ሓለፍቲ ብሄራዊ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ቻይና ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ሓለፍቲ ብሄራዊ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ቻይና ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ኣብ ዘለዉ ኣማራፂታት ዘድሀበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ኣብ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ኣማራፂ ሓይሊን ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ምስ ኮርፖሬሽን ሮሳተም ፌደሬሽን ሩሲያ እናሰርሐት ምዃና ተዛሪቦም።

እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ÷ ኣብ ኢነርጂ ኒውክሌር ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ብምግባር ምስ ኮርፖሬሽን ቻይና ሓቢሩ ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም።

ወከልቲ ብሄራዊ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ቻይና ብግደኦም÷ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ማእኸል ልህቀት ኒውክሌር ሓገዝ ንምግባር ምስ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ስምምዕነት ንምፍርራም ቀዳማይ ዙር ዘተ ከምዝገበሩ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጠና ሃፍቲ ሰብን ኣብ ካልኦት ስራሕቲን ክሰርሑ ከምዝደልዩ ብምግላፅ፤ አብ ኣተገባብራ እቲ ስራሕ ልዝባት ከምዝግበሩ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment