ቅድሚ 2 ሰዓታት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ 2 ሰዓታት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ከምዝተመለሰ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ሰዓት 7 ጀሚሩ ብዘጋጠመ ፀገም ቴክኒክ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ መብዛሕተትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ምርኻብ ተጂሚሩ።

ቀስብቐስ ድማ ዝተረፉ ከባቢታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ንምግባር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment