ቃል ምኽባርን ምፍፃምን ቁልፊ ተግባር ኣመራርሓ ለውጢ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቁፅሪ ሓደ ፋብሪካ ሽኮር ጣና በለስ ብቀዳማይ ሚኒወትር ኣቢይ ኣሕመድ ተመሪቑ ስራሕ ጀሚሩ።

ኢትዮጵያ ካብ ደቃ፣ ታሪኻ፣ ባህላን ንደቃ ኣብ ምትዕራቕን ከምትርከብ፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ገሊፆም፡፡

“ግድብ ህዳሰ ብምዝዛም ዓይንና ካብ ልምዓት እንተይ ኣልዐልና ልምዓት ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ይግባእ” እውን ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ ምስ ተፈጥሮ ንምትዕራቕ፥ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን መኣዲ ንሃገርን ዝገብሩዎ ተሳትፎ ንኸጠናኽሩ ፀዊዖም፡፡

ናይ ውሽጢን ደገን ፀላእቲ ብምክልኻል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምዝዛም ከምዝግባእ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘው ተሸገር ብግደኦም፥ ብምጉታት ስራሕቲ እቲ ፋብሪካ ህዝቢን ኣመራርሓን ክልል ኣምሓራ ተስፋ ቆሪፁ ዝነበረ ይኹን እምበር ድሕሪ ለውጢ ብዝተሰርሐ ስራሕ ዕዉት ለውጢ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ግዘ ዝተሰርሐ ስራሕ ብዙሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ፣ ኣብ ተመጋጋቢነት ኣግሮ ኢንዱስትሪ ስርዓት ዝዝርግሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ካብ ተረፈ ምህርቲ እቲ ፋብሪካ ዝርከብ እታወት ብምጥቃም ኣብ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንኽዋፈሩ እውን ፀዊዖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment