ቃላይ ሃረማያ ማይ ምዕቛሩ ስዒቡ ዘላቒ ንምግባር ስራሕቲ ምፅራግ ተኻይዱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቃላይ ሃረማያ ማይ ምዕቛሩ ስዒቡ ዘላቒ ንምግባር ብዝብል ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ረሳሓት ነገራት ናይ ምፅራግ ስራሕቲ ተገይሩሉ።

ቃላይ ሃረማያ ልዕሊ 15 ዓማውቲ ደሪቑ ምፅንሑ ይፍለጥ።

ለካቲት 1996 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ዝነቐፀ እቲ ቃላይ፥ ሎምዘበን ክረምቲ ሓያል ማይ ብምውቅዑ ልዑል መጠን ዘለዎ ማይ ክሕዝ ከምዝኸኣለን እቲ ቃላይ ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ተስፋ ከምዘርኣየን ተሓቢሩ።

እቲ ቃላይ ብዘላቒነት ተሓሊዩ ንኽፀንሕ ድማ ነበርቲ ከተማ ሃረማያ ዝተሳተፉሉ ኣብ ወሰናወሰን እቲ ባሕሪን ናብቲ ባሕሪ ማይ ኣብ ዘኣትወሎም ተፋሰሳትን ወፍሪ ፅሬት ተሳሊጡ።

ኣብቲ ወፍሪ ፅሬት ዘወዳደቑ ፕላስቲካትን ካልኦት ኳዳታትን ብምውጋድ ኣብ ተፋሰሳት ስራሕቲ ምፅራግ ተኻይዱ ኢዩ።

ከንቲባ ከተማ ሃረማያ ኣይተ ሙለታ ቡሽራ፥ ንነዊሕ ኣመታት ደሪቑ ዝነበረ ቃላይ ሃረማያ ዳግም ናይምምላስ ተስፋ ስለዘርአየ ዘላቒ ንምግባር ወፍሪ ስራሕቲ ፅሬት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ወፍሪ ፅሬት ነበርቲ ከተማ ሃረማያን ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ሃረማያን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment