ቂምን ስርቅን ምዕባለ ሃገር ዘፍርስ ተግባር ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ግዕዝይና ብዝምልከት ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ቂምን ስርቂን ምዕባለ ሃገር ዘፍርስ ዘይተገበአ ተግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስርቂ ዝፅየፉ ውሑዳት ውልቀ ሰባት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እዚ ናብ ጉጅለን ሃገርን ምዕባይ ይግባእ ኢሎም፡፡

“ጉበኛታትን ሰረቕቲን ኣብ ዘለዉሉ ሃገር ብዛዕባ ምዕባለ ምሕሳብ ተሪፉ ሓቢርካ ምንባር ከቢድ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ናይ ሕወሓት ሰባት ንጀነራላት ኢትዮጵያ ኣካውንት እናሓተቱ ብዘይሕጋዊ መገዲ ገንዘብ ከምዝልእኹ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ተዛሪቦም፡፡

ሰረቕቲ ገንዘብ ይኽዝኑ እምበር ኣይበልዑዎን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሰብ መዚ ለያቡ ንምግባርን ንምእዛዝን ዝሰርሑ ውልቀ ሰባት ሰብ ሃፍቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ኢየዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሓበሩ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ብፋናን ኢቢሲን ስራሕቲ ምርመራ ግዕዝይና ከምዝስርሑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment