ቁፅሪ ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራል ምውሳኽ በዓል ብዙሕ ልሳን ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ይሕግዝ – ሙሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቁፅሪ ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራል ምውሳኽ በዓል ብዙሕ ልሳን ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ከምዝሕግዝ ሙሁራት ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብ ኣምሓርኛ ብተወሳኺ ኣፋን ኦሮሞ፣ ትግርኛ፣ ሶማልኛን ዓፋርኛን ቋንቋ ስራሕ ፌዴራል ንኽኾኑ ወሲኑ ኢዩ።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ሙሁራት ከምዝገለፁዎ፥ ተወሰኽቲ ቋንቋታት ንፌዴራል ስራሕ ቋንቋ ምጥቃም ሃገራዊ ሓድነት ብምዕባይ ህብረ-ብሄራዊነት ከምዘጠናኽር ኢዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታትን ባህሊን ዶክተር ሙሉጌታ ስዩም፥ ኣማረፅቲ ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራል ምብዛሕ ንሓድነት ሃገር ዘለዎ ረብሓ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣፈላላያት ኣተኣናጊዳ ንእትጓዓዝ ህብረ-ብሄራዊት ሃገር ባህላዊን ስነ-ልቦናዊን ምትእስሳር ከምዘጠናሐኽር እውን ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመራማሪ ብዙሕነት ዶክተር ኸይረዲን ተዘራ ብግደኦም፥ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዘመሓላለፎ ውሳነ ህብረ-ብሄራዊ ቅርፂ ንምሕላው ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓጋዚ ውሳነ ምዃኑ ተዛሪነ,ቦም።

እቲ ውሳነ ሓድነት ህዝቢታት ዘጠናኽርን ኣሳታፊን ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፥ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምትእምማንን ምቅርራብን ንኽህሉ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም።

ኣርባዕቲኦም ቋንቋታት ዶብ ሰገር ተዛራቢ ዘለዎም ብምዃኖም ቀጠናዊ ረብሐኦም ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶክተር ኸይረዲን፥ ካብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዘሎ ከይዲ ምርድዳእ ዘቐላጥፍ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ሙሁራት፥ ብዙሕነት ከተኣናግዱ ዝኽእሉ ወነንቲ ብዙሕ ልሳን ዜጋታት ብፍራይ ህብረ-ብሄራዊነት ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብሃይለኢየሱስ መኮንን

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment