ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ኣብ 2022 መወዳእታ 8 ቢሊየን ከምዝበፅሕ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚቱ።
ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ ፕላኔትና ብምክንኻን ሓላፍነትና ንዋፃእ ኢሎም።
ነዚ ድማ ብዙሕነትና ብምኽባር ንሰብኣዊነት ቀዳምነት ምሃብ ይግባእ ምባሎም ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።
ክንክን ጥዕና ዓለም ብዝምልከት ምምሕያሽ ከምዘሎን ብምኽኒያት መድሓኒታት መናውሒ ዕድመን ንኣዴታትን ህፃናት ዝግበር ክንክንን ብምውሳኺ ቁፅሪ ሞት ደቂ ሰባት ከምዝቐነሰ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ኣብ 2022 መወዳእታ 8 ቢሊየን ከምዝበፅሕ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።