ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ኣብደል ፈታህ ኣብደልራህማን ቡርሃን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ኣብደል ፈታህ ኣብደልራህማን ቡርሃን ብቴሌፎን ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ፥ ኮቪድ 19 ዘስዕቦ ምንጋዕ ንምክልኻል ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ብምድሃብ እዮም ልዝብ ገይሮም።

ብተወሳኺ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ብምዃን ርክብ ኢኮኖሚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻርን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነበረ ማዕቐብ ንምልዓል ዘኽእል ስራሕ ኣብ ምፍፃምን ብዝምልከት ከምዝተዛተዩ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment