ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወፍሪ ፅሬት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ወፍሪ ፅሬት ኣካይዶም።

እቲ ወፍሪ ፅርየት፥ “ረሳሕ ኣተሓሳስባን ርስሓትን ካብ ከተማይ ከንፅህ ኢየ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ ወፍሪ ፅሬት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ሓዊሱ ልዕሊ 4 ሺሕ ኣመራርሓታት ተሳቲፎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝልጠና ከምዝቐነዩ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment