ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ሕብረተሰብ ከይተደናገፀ ናይ ገዛእርእሱን ቤተሰቡን ጥዕና ክሕሊ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሕብረተሰብ ከይተደናገፀ ናይ ገዛእርእሱን ቤተሰቡን ጥዕና ክሕሊ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
 
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፈ ውልቀ ሰብ ምርካቡ ስዒቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሕብረተሰብ ከይተደናገፀ ንባዕሉ ክሕሊ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
 
ኢድካ ብሳሙናን ማይን ኩሉጊዜ ምሕፃብ፣ ምልክት ሰዓል እንትረአ ካብ ገዛኻ ዘየምውፃእ፣ ሰብ ዝበዝሐሉ ከባቢ ዘይምኻድ፣ ምንኽኻእ ዝበዝሖም ሰላምታታት ምቁራፅን ሕብረተሰብ ከይተደናገፀ ናይ ገዛእርእሱን ቤተሰቡን ጥዕና ክሕሊ ከምዝግባእን ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
 
እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment