ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይን ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁኑ ኬንያታን ናብ ግዝኣት ላሙ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁኑ ኬንያታን ናብ ግዝኣት ላሙ ኣምረሖም።

ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ንምግባር ናብ ኬኒያ ዘምርሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ብምዃን ኣካል ህንፀት  ኮሪደር ሞምባሳ-ናይሮቢ -አዲስ አበባ ዝኾነ መገዲ ሞያሌ ሃዋሳን ፕሮጀከት ናይ ሓባር ጣቢያ ፍተሻ መሪቖም ምኽፋቶም ይዝከር።

ኣብ ሞያሌ ማርሳቢት ዝነበሮም ፃንሒት ዝዛዘሙ እቶም መራሕቲ፥ ናብ ገዝኣት ላሙ ኣምሪሖም ኣለዉ።

ኣብታ ገዝኣት ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ከይዲ ህንፀት ወደብ ላሙ ከምዝዕዘቡ ተገሊፁ።

እቶም መራሕቲ ኣብታ ገዝኣት ኣብ ዝገብርዎ ዑደት መራሒ ተቓዋሚ ሪይላ ኦዲንጋ ከምዝተረኸቡ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment