ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ፕሮጀክት እንጦጦ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት እንጦጦ ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ኣባ ማሓበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ “ከተማታትና ኣብ ውሽጠን ፍሉይ ሃፍቲ ዝሓዛ ኢየን” ኢሎም።

ኣብ ፕሮጀክት እንጦጦ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝነኣዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ድማ ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ከምዝስሕብን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥርን ገሊፆም።

“እዞም ሃፍቲታት ኣብ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ማዕባለና ንኽነውዕሎም ሓቢርኩምኒ ክትጓዓዙ የሓትት፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣይቐርን” ክብሉ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ብተወሳኺ ኣብ ምስፍሕፋሕ መንገዲ እንጦጦ ንዝርከቡ ነበርቲን ሰብ ሹቕን ነቲ ስራሕ ክብሉ ብፍቓዶም ናብረኦምን ስረሖምን ካብቲ ቦታ ከልዕሉ ብምኽኣሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment