ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ኢትዮጵያ ምህናፅ ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዓባይ ሃገር ዘይብሉ ዓብዪ ህዝቢ ስለዘይህሉ ኢትዮጵያ ምህናፅ ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ከምባታ ጠምባሮ ከተማ ዱራሜ ኣብ ስታዲየም ንዝተኣከቡ ነበርቲ መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ ዘስምኡዎ መደረ፥ ንውልቀ ሰብ ማሕበረሰብ፤ ንማሕበረሰብ ድማ ሃገር ከምተድሊ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኩሉ ሰብ ናይ ባዕሉ መንነት ሒዙ ጥንክርቲ ሃገር ንምህናፅ ግድኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳሞት ወለዲ ብደሞምን ኣዕፅምቶምን ዘፅንሑዋ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምውፃእ ናይ ሐዚ ወለዶ ሓላፍነት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ”ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ብዝተፈላለዩ ከባቢታት ፈተና ዋላ እንተገጠሞ፥ መንገዲና ምድማር ሸቶና ብልፅግና ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ድኻ ሃገር ዝነብር ክልል፣ ዞባን ወረዳን ድኻ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ተሓጋጊዝካ ብምስራሕ ህይወት ህዝቢና ምልዋጥ እንተዘይተኻኢሉ ንውልቀ ብዝርከብ ዓወት ዕግበት ክመፅእ ኣይኽእልን ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ካብቲ ዞባ ምስ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ይዛተዩ ኣለዉ።

ብኣላዛር ታደለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment