ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍካ ኣብ ክሊ ቫይረስ ኮሮና ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ክሊ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ኣድሂቦም ብስልኪ ተዛትዮም።

እቶም ቀዳናይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ፅዕንቶ ኮቪድ-19 ተሓባቢርካ ንምስዓር ሓበራዊ ኣመራርሓ ከምዘድሊ ምዝታዮም ኣብሪሆም።

እቲ ልበዳ ሕማም ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ከብፀሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምክልኻል፥ ሓገዝ ሃገራት ጉጅለ 20፣ ባንኪ ዓልምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ /ኣይ.ኤም.ኤፍ/ን ከምዘድሊ ምስምዕመዖም እውን ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ፥ ጊዚያዊ ኣቦ ምንበር ሕብረት ኣፍሪካ ምዃኖም ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment