ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ክሊ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ኣድሂቦም ብስልኪ ተዛትዮም።
እቶም ቀዳናይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ፅዕንቶ ኮቪድ-19 ተሓባቢርካ ንምስዓር ሓበራዊ ኣመራርሓ ከምዘድሊ ምዝታዮም ኣብሪሆም።
እቲ ልበዳ ሕማም ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ከብፀሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምክልኻል፥ ሓገዝ ሃገራት ጉጅለ 20፣ ባንኪ ዓልምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ /ኣይ.ኤም.ኤፍ/ን ከምዘድሊ ምስምዕመዖም እውን ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ፥ ጊዚያዊ ኣቦ ምንበር ሕብረት ኣፍሪካ ምዃኖም ይፍለጥ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana