ቀ/ሚ ኣብይ(ዶ/ር) ኣብ ሃገራት ሪፐብሊክ ኮሪያን ሲንጋፖርን ዝነበሮም ፃንሒት ዕዉት ኢዩ -ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)

አዲስ አበባ፣ ግንቦት 30፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሃገራት ሪፐብሊክ ኮሪያን ሲንጋፖርን ዝነበሮም ፃንሒት ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ መመሓየሺ ኢኮኖሚ፣ ምዕባለን ጉዕዞ ለውጢ (ሪፎርም)ን ልዑል ኣሰር ኣንቢሩ ኢዩ” ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ከልቲአን ሃገራት ዝተገበረ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ልምድታት ንምርካብ፣ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንምፍላጥ፣ ምስተን ሃገራት ሓደሽቲ ማዕቐፋት ምትሕብባርን ርክብን ንምፍጣር ከምኡውን እናማዕበለ ንዘሎ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ደገፍ ፋይናንስ ንምስፋሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ነቲ ዕላማ ብጭቡት ከምዘርኣየ ኣረጋጊፆም።

ሪፐብሊክ ኮሪያን ሲንጋፖርን ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ኣዝዩ ትሑት በርኪ ምዕባለ ከምዝነበረን ዘዘኻኸሩ እቶም ሚኒስትር፥ ካብዚ ብምብጋስ ዝነኣድ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ብምምዝጋብ ኣብ ሪጋ ዝማዕበላ ሃገራት ከምዝተሰርዓ ገሊፆም።

መንግስታት እተን ሃገራት ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ኢኮኖሚን ዝነበሮም ግደ፣ ንቀፃልነት ምዕባለ ዘይትካእ ብፅሒት ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።

እቶም መራሕቲ ብዘርኣይዎ ቆራፅነትን ዝተኸተልዎ ፖሊሲ ኢኮኖሚን ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ዝረብሕ ልምዲ ከምዝውሰደሉ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፣ ዘካየድዎም ዝተመረፁ ዑደታትን ዝተገበሩ ማዕቐፋት ምትሕብባርን ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ እትኸፍቶም ዘላ ሓደሽቲ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ዕዳጋን ናይ ምፍላጥ ጉዳይ ነቶም ኩነታት ተሓሳቢ ዝገበሩ ኢዮም ኢሎም።

እቶም ብዘተ ዝማዕበሉ ስልትታት ማዕቐፋት ምትሕብባር እውን ኢትዮጵያ ምስ ዝቐረፀቶም ፖሊሲታትን ኣንፈታት መዕባለን ንኽጠዓዓሙ ፃዕሪ ዝተገበረሎም ከምዝኾኑ ገሊፆም።

በዚ መንፅር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝነበሮም ፃንሒት ውፅኢታዊን ዕዉትን ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

እቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ፥ ታሪክ ዝዝክር፣ ብሕውነት ዝተመስረተን ምትሕብባር ዘጠናኸረን ዲፕሎማሲያዊ ጉዕዞ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣገልግሎት ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ንኹለን ሃገራት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ማዕቐፋት ኢኮኖሚ ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተኸተሙ ብምዝኽካር፥ እቶም ስምምዕነታት ንኢትዮጵያ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓማውቲ ተረባሒት ዝገብሩ ደገፋት ፋይናንስ ዝተረኸብሉ ኢዩ ኢሎም።

ሰብ ሃፍቲ ሪፐብሊክ ኮሪያ ኣብ ኢትይዮጵያ ኣብ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ገብርና፣ ዕደናን ማኒፋክቸሪንግን ኣብ ዝሳተፍሉ ኩነታት ከምዝተዘተየ ተዛሪቦም።

ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝነበረ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እውን፥ እታ ሃገር ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ለምዲ ዝተወሰደሉ፣ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ብእወንታዊ መገዲ ዝጓዓዝ ዘሎ ምዃኑ ገንዛበ ዝተረኸበሉ ኢዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment