ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ዝተሸለሙዎ ሽልማት ኣግሪኮላ ውፅኢት ተምሳሌታዊ ኣወሃህባ ኣመራርሓ ኢዩ – ኤምባሲ ቻይና 

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትካል ምግቢን ሕርሻን (ፋኦ) ዘበርከተሎም ሽልማት ኣግሪኮላ ውፅኢት ተምሳሌታዊ ምሃብ ኣመራርሓ ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሺን ቺንሚን ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጣሊያን ሮም ዝኸበረ ሽልማት ኣግሪኮላ ፋኦ ሽልማት ከምዝተሸለሙ ይፍለጥ።

ሽልማት ዝተውሃቦም ድማ÷ ፈተናታት ብምፅዋር ብውሕስና ምግቢ፣ ዝተመጣጠነ ምግቢን ፍርያት ስርናይ ባዕልኻ ንምኽኣል ብዘለዎም ራኢ፣ ብዘርአዩዎ ቆራፅ ኣመራርሓን ብዘምፅኡዎ ቅልጡፍ ለውጢን ከምዝኾነ እቶም ምክትል ሓላፊ ኤምባሲ ቻይና ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ልምዓት ሕርሻ ኣስተዋፅኦ ካብ ፋኦ ዝተበርከተሎም ሽልማት ተምሳሌታዊ ምሃብ ኣመራር ውፅኢት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ቻይና ብሽልማት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣግሪኮላ ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ከምትድግፍ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕርሻ ንምስግጋር ዘለዎ ቆራፅነት ኣብ ሓፂር እዋን ዘዕግብ ውፅኢት ከምዘመዝግብ ምንም ዘጠራጥር የብሉን” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment