ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኩሎም ዜጋታ ፅሩይ ከባቢ ንምፍጣር ናብ ዝተጀመረ ጎስጓስ ብምፅምባር ኣሰሮም ንኸንብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ዜጋታ ንፁህ ከተማን ከባቢን ንምፍጣር ናብ ዝተጀመረ ጎስጓስ ብምፅምባር ኣሰሮም ንኸንብሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ንንፅህቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 50 ሚሊየን ብር ንምትእኽኻብ ዝዓለመ ዲጂታል ቴሌቶን እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ዲጂታል ቴሌቶን ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቲ ቴሌቶን ንፅህቲ ከተማን ከባቢን ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምግንዛብ፤ ምስሊ ከተማ ካብ ምቕያር ሓሊፉ ጥዕና ዜጋታት ንምሕላው ግድኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ ድማ ኩሎም ዜጋታ ንፁህ ከተማን ከባቢን ንምፍጣር ናብ ዝተጀመረ ጎስጓስ ብምፅምባር ኣሰሮም ንኽገብሩ ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment