ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ሩዋንዳ ዝገበሩዎ ዑደት ኢትዮጵያ ምስታ ሃገር ዘለዋ ርክብ ዘጠናኽር ኢዩ – ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (አፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሩዋንዳ ዝገበሩዎ ዑደት ኢትዮጵያ ምስታ ሃገር ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ኢዩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

ቢልለኔ ስዩም ቀዳማይ ሚኒስትርን ልኡኾምን ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ዝገበሩዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን፡፡

ኣብ መብርሂአን ድማ፥ እቲ ዑደት ኣብ ክልተ ጉዳያት ዘድሀበ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

እቲ ቀዳማይ ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ፖል ካጋሜ ክልተኣዊ ዘተ ምግባር እንትኸውን÷ እቲ ካልኣይ ድማ ቅድሚ 30 ዓመት ኣብ ሩዋንዳ ዝበፅሐ ዝኽሪ ጨፍጫፍ ዓሌት ንምስታፍ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ኪጋሊ ዝነበሮም ፃሒት÷ ኣብ ኢንስቲትዩት ሓለዋ ሕርሻ ሩዋንዳ ዑደት ምግባሮም ኣብሪሀን፡፡

እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ፍርያት ሕርሻ ዝተዋፈሩ ተምሃሮ ተግባራዊ ስልጠና ዘሰልጥን እንትኸውን፥ ፅቡቕ ተሞክሮ ዝውሰደሉ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ኢትዮጵያ ንዓውዲ ሕርሻ እናሃበቶ ምስዘሎ ትኹረት ዝመሳሰል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ከም ኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብፍላይ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ እናወገነቶ ትርከብ ትሩፋት ሌማት ተምሳሌት ዝኾኑ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ኣልዒለን፡፡

“ካብዚ ብምቕፃል እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ፖል ካጋሜ ኣብ ብሄራዊ ቤተመንግስቶም ዘተ ገይሮም” ኢለን እተን ሓላፊት፡፡

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተኻደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዮም ከምዝነበረን እቲ ዘተ ካብኡ ዝቐፀለ ከምዝነበረን ገሊፀን፡፡

ኣብ ክልተኣዊ ዘተኦም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተመያየጡ እንትኾኑ፥ እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናገበረኦ ዝርከባ ፃዕሪ ናብታ ኣህጉር ክሰፍሕ ከምዘለዎ ተሓቢሩ ኢለን፡፡

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝምርሑ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ድማ በቢዓውዲ ስረሖም ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ስራሕቲ ከምዝገበሩ ገሊፀን፡፡

ብኻእ መዳይ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም፥ ኣብ መበል 30 ዓመት ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ጨፍጫፍ ዓሌት ሩዋንዳ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ፡፡

“ፕሬዚዳንት ፖልካጋሜ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ምሕዝነት ኢትዮጵያ ኣልዒሎም፤ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ጨፍጫፍ ዓሌት ኢትዮጵያ ብውሕበ ኣቢሉ ኣብ ዝተሰናደአ ስራሕቲ ዳግመ ምጥያሽ ብምስታፍ ኣኽባሪ ሰላም ከምዘዋፈረት ኣልዒሎም” ኢለን፡፡

እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት እተን ሃገራት ዘለወን ምትእስሳር ብዝበለፀ ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ንኣህጉር ኣፍሪካ ብዝተርፍ መልክዑ ከምዝተዛዘመ ተዛሪበን፡፡

ብመሰረት ኣወቀ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment