ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ምረቓ ሓወልቲ ዝኽሪ ነበር ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ጁሊየስ ኔሬሬ ተሳቲፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብምዃን ኣብ ምረቓ ሓወልቲ ዝኽሪ ነበር ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ጁሊየስ ኔሬሬ ተሳቲፎም።

ተቃላሳይ ናፅነትን ነበር ፕሬዚዳንት ታንዛንያን ጁሊየስ ኔሬሬ ኣብ ቅሪ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ዝኽሪ ሓወልቲ ተተኺሉሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ኦውልድ ጋዙዋኒ፣ ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ዞባዊ ትካላትን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

“ኣቦ ታንዛንያ” እናተባህሉ ዝፅዑ ጁሊየስ ኔሬሬ÷ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኽላቐቓ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ስሞም ቅድሚት ካብ ዝለዓሉ ሰባት ሓደ ኢዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment