ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝገብርኡ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝገብርኡ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ዝኸዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ብፕሬዚዳት ፖልካጋሜ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ አመስጊኖም።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሩዋንዳ ዘሎ ምዕባለ ብምርኣዮም ደስ ከምዝበሎም ገሊፆም።

መንግስቲ ሩዋንዳ ምዕባለ እታ ሃገር ንምቕፃል ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዶም።

ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ንምዕባለ ልምዓት ግብርና ብፅንዓት ይሰርሓ ከምዘለዋ ገሊፆም።

እዚ እወንታዊ ተግባር ናብቲ ቀጣና ንምግፋሕ ድልዋት ኢየን ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment