ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ወርቂ ኢትኖ ማይኒንግ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኢትኖ ማይኒንግ ንኩባንያ ኣኮቦ ሚኒራልስ መጋቢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ኩባንያ÷ ኣብ ስካንዲኔቪያን ሃገራት መሰረቱ ዝገበረ ብወገን ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮዽያ ኣቢሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምእላሽን ምውፃእን ወርቂ ዝተዋፈረ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም፡፡
ኣብ ክልል ጋምቤላ ወረዳ ኣኮቦ ብዝተሳለጠ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ኢንቨስትመንት ንኹሎም ኣካላት መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣብ ዝሓፉ ሰለስተ ዓስርተ ዓመታት ኣብ ወረዳ ዲማ ትርከብ ከተማ ዲማ ብትሑት ባህላዊ ምውፃእ መዓድን ወርቂ ንብዙሕ ግዘ ብኽነት ዝተመልኦ ኣሰራርሓ እናተገበረ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም፡፡
እዚ ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ኣብ ሓፂር እዋን ዘዕግብን ደረጃኡ ዝሓለወን ፍርያት ወርቂ ከምፅእ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ብዘይሕጋዊ ስራጅቲ መዓድን ንዘንፀላለወ ፈተና ምላሽ ዝህብ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንዘላቒ ልምዓት ክልል ጋምቤላ ኣብቲ ክልል ዘሎ ዓሚቕ ሃፍቲ ንረብሓ ህዝቢን እቲ ክልልን ንምውዓል ዘለዎ ተበግሶ ከምዘርኢ ኣብሪሆም፡፡