ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን የገና በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መኣዲ ኣካፊሎም፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣብ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ዝተሳለጠ እንትኸውን÷ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ ኣረጋውያንን ጉዱኣት ኣካልን ተሳቲፎም፡፡
ድሕሪ እቲ መርሃ-ግብሪ ድማ ኣብ ሙዚየም ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ዑደት ከምዝገበሩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገበሩዎ ሰናይ ተግባር ፍሉይ ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ኣብቲ ምክፋል መኣዲ ዝተሳተፉ ወገናት ተዛሪቦም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንዓቕመ ደካማታትን ኣረጋውያንን በቢእዋኑ መኣዲ ካብ ምክፋል ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ተረባሕቲ ክኾኑ ንዝውግኑዎ ተግባር እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡