ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ናይ ኢትዮጵያ ብመትከል ሂብካ ምቕባል በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ባህጊ ኣቃሊሖም-ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ናይ ኢትዮጵያ ብመትከል ሂብካ ምቕባል በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ባህጊ ምቅልሖም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ከተማ ካዛን ተኻይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስትራት ብምዃን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም።

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ቀዳመይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ፥ ኣብ ክልቲኣዊን ኩለመዳየን መድረኻት ውፅኢታዊ ተሳትፎ ምግባሮም ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ቀዋሚ ውክልና ምርካብ ከምዝግብኣን ዓለም ለኸ ሰርዓት ፋይናነስ ሓቛፊ ንክኾንን ዘቕረብዎ ፃውዒት እቲ ጉባኤ ተቐቢሉ ሓበራዊ ቅዋም ከምዝሓዘ ኣብሪሆም።

ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስኣባል ሃገራት ብሪክስን መሻርኽቲ ሃገራትን ኣብ ዝተገበረ ክልቲኣዊ ዘተታት ቅዋም ኢትዮጵያ ምቅላሕ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ወደብ ዝተዛመደ ኢትዮጵያ ካብ ታሪኻ፣ ኣቀማምጣ መልከኣ ምድሪ፣ ብዝሓት ህዝቢን ምዕባለ ኢኮኖሚን ዝምጥን በሪ ባሕሪ ክትረክብ ከምዝግበኣ ምስ ኣርባዕተ መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ምግላፆም ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ መትከል ሂብካ ምቕባል መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም ምዝራቦም ሓቢሮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment