ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)ቀዳማይኣብ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ወጊኖም ኢዮም – ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ወጊኖም ኢዮም ክብሉ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገርድ ሙለር ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሮም ጣልያን ዝተሰናደአ ክብረ በዓል ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ተሸሊሞም።

ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ ገርድ ሙለር÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ ዓውዲ ብዘምፅኡዎ ውፅኢት ንዝተገበረሎም ሽልማት መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢን ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢን ዘምፀአቶ ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተሓጎሱ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዘመታት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊባ ኢያ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ጀነራል÷ ነዚ መርኣያ ድማ ፍርያት ስርናይ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ብምዕባይ ንባዕላ ክኢላ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ከምዝጀመረት ኣብሪሆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ቀዳማይኣብ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ከምዝወገኑ እውን ተዛሪቦም፡፡

ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ንዝስርሑ ስራሕቲ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment