ቀ/ሚ ኣቢይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ዝርከብ በዓል ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ዕለት 23 ሚያዝያ (ሜይ ደይ) ህይወት ሰራሕተኛታት ዓለም ዝቐየሩ ቃልሲታት ሰራሕተኛታት ዝዝከረላ መዓልቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፥ ንዝህቡዎ ግልጋሎት ተመጣጣኒ ዋጋ ንኽኽፈሎም፣ ንተመሳሳሊ ስራሕ ተመሳሳሊ ክፍሊት ንኽግበር፣ ውሕስነት ስራሕን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ከባቢ ንኽህሉ፣ ሰብኣዊ መሰሎም ንኽረጋገፅ፣ ናይ ምውዳብ መሰሎም ንኽኽበርን ብዙሓት ቃልሲታት ከምዝተኻየዱን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ሰራሕተኛታት ዋላ ውሑድ ይኹን እምበር፥ ንመሰሉን ንናፅነቱን ካብ ቁፅሩ ዝገዘፈ ታሪኽ ዝቐየረ ቃልሲ ከምዘካየደን ሕዚ እውን እናካየደ ከምዝርከብን ገሊፆም።

ጉዕዞ ኢትዮጵያ ናብ ምዕባይ ምፍረያይ ኢንዱስትሪ ዝግበር ጉዕዞ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ብዛዕባ ማሕበረሰብ ሰራሕተኛታት እንትንዛተ ብዛዕባ መፃኢት ኢትዮጵያ ምዝታይ ኢዩ” ኢሎም።

ብዛዕባ ናብራ፣ ስራሕን ኩነታት ጥዕናን፣ መሰልን ረብሓታትን፣ ውሕስና ስራሕን ምዕባለን ሰራሕተኛታት ምሕሳብ ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታትን መስራሕቲን ዘሎ ርክብ መፃኢት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ናይዚ ዓመት በዓል መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተላበደት ዓለም ዝኽበር ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ለበዳ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ጥዕናን ደቂ ሰባትን ዓቢዪ ፈተና እናፈጠረ ይርከብ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ከቢድ ዝኾነ ስግኣት ውሕስና ስራሕ ፈጢሩ ስለዘሎ፥ ብልዑል ጥበብ፣ ሓላፊነትን ቆራፅነትን ምስራሕ ዘድልየሉ እዋን ከምዝኾነ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment