ቀ/ሚ ኣቢይ ውፅኢት ምርጫ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ውፅኢት ምርጫ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥
ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መገዲ ብናፃ ፍቓዱ ዝመረፆ መንግስቲ ንክህልዎ ብዙሕ ፈተነታት እኳ እንተገበረ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ክሰናኸል ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ከይዲ ድማ ብዙሓት ተምሃሮ፣ ሓረስስቶት፣ ምሁራን፣ እዝቢ ልዑል ዋጋ ከፊሉ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ሎሚ ዘበን ዝተኻየደ ምርጫ ኢትዮጵያውያን ኣርሒቖም ዝእምቱ ከምዝኾን ዝተረጋገፀሉን ህዝቢ ዝደሊዮ ዝገብር ከምዝኾነ ብተግባር ዝተረጋገፀሉን ኢዩ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ኣብዚ ምርጫ ሰዓሪ ዝኾነ ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።

ብምቕፃል ብብዙሕ ውስንነት ብምሕላፍ፣ ኣብ ዴሞክራሲን ድምፂ ህዝብን ዘለዎም እምነት ፅኑዕ እምነት፣ ሓሳብን ፖሊስን ንህዝቢ ብምቕራብ ልዑል ውድድር ዝገበሩ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብቲ ከይዲ ዴሞክራሲ ተዓወትቲ ኢዮም ኢሎም።

ስለዥኾነ ”ኣብ ቀፃሊ ኣዋርሕ ብልፅግና ኣብ ዘጣይሾ መንግስቲ ውሽጢ ኣብ ኣፈፃሚ ኣካል ይኹን ኣብያተ ፍርዲ፣ ኣብ ካልኦት ትካላት ፌዴራልን ክልልን ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ከምእነካትቶም እገልፅ” ኢሎም።

ህእቢ ትግራይ ብዝደሊዮ መገዲ ካብ ተደራራቢ ፀገም ዝወፅአሉ፣ ተመሳሰልቲ ሃገራዊ ፀገመት ዝፍትሑሉን ሳምን ድሕንነትን ዝረጋገፅሉን መፍትሒ ኣንፈት ክንክተል ኢና እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment