ቀ/ሚ ኣቢይ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንክዛዘም ኣስተዋኦ ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላምን ዕዉት ብዝኾነ ኩነታትን ንክዛዘም ኣስተዋኦ ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊኖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክሳለጥ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ምውሳኖም ስዒቡ ሕውነታዊ ሕብረት ዝተርኣየሉ ምዃኑ ገሊፆም።

“እቲ ጉባኤ ብምቕሓት ዝመርሕዎ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንክዛዘም ኣስተዋኦ ንዝገበሩ ኩሎም ኢትዮጵያ አመስጊና” ኢሎም።

እቲ ዋዕላ ውፅኢታዊ ዘተ ዝተኻየደሉ፣ ንኣህጉርና ዝጠቕሙ ውሳነታት ዝተመሓላለፈሉ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ሕውነታዊ ምትሕብባር ዝተርኣየሉ ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ቅኑዕ ሕውነት ዝምዘን ኣብ እዋን ፀገም ስለዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ፈታዊ እንትትእልሽ ልዕሊ ኹሉ ቀዲምኩም ኣብ ጎንና ኮይንኹም ኢኹም ኢሎም።

ካልኦት እንትትሕብኡ ኣብ ጎንና ደው ብምባል ሓቃዊ ሕውነት ኣመስኪርኩም ኢኹም። ነዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ልባ ተመስግነኩም ኢሎም።

ኣፍሪካዊያን ሓደ ዝገብረና ታሪኻዊ ኩነታትና ኢይ ብዝበለፀ ዘተኣሳስረና ብምባል፥ ካብ ኣቀማምጣ መሬት ይኹን ክሌማ ብዝበለፀ እንብድሆም ፀገማት የመሳስሉና ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ሕማቕ ይኹን ፅቡቕ ሓቢርና ነይርና፤ ንቐፃሊ እውን ሓቢርና ክንዘልቕ ኢና ኢሎም።

ዕድልና ተመሳሰልቲ ኢዮም ክብሉ እውን ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment